ትግርኛ (Tigrinya – tǝgrǝñña)

ኣብዚ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ መዕቆቢ ማእከል ደቂኣንስትዮ ምስ ደቀን ዑቕባ ይረኽባ። ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን/ ወይ ጾታዊ ዓመጽን ምስ ዘጋጥመን ወይ ከኣ ከየጋጥመን ስግኣት ምስ ዝህልወን‘ውን ዑቕባ፣ ሞያዊ ምኽሪን ደገፍን ይወሃበን።

ዓመጽ ብዙሕ ገጻት ኣለዎ:

ምቕጥቃጥ: ምፍርራሕ: ምጕብዕባዕ: ምዕጻው: ጾታዊ ዓመጽ/ምግሳስ: ምቁጽጻር: ኣገዲድካ ምምርዓው: ምንእእስ: ምኽንሻብ: ከምኡ‘ውን ካልእ ንዕዑ ዝኣመሰለ ነገራትን የጠቓልል።

ዝዀነት ጓል-ኣንስተይቲ ካብ በዓል-ቤታ (ሔማኣ): ዓርካ: ኣባላት ስድራቤታ: ጎረባብታ ከም‘ኡውን ካል ኦት ሰባት ጾታዊ ዓመጽ  ምስ ዘጋጥማ፣ ኣብ መዕቆቢ ማእከል ብምምጻእ ክትዕቆብ ትኽእል።

ኣዞም ትሕት ኢሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ነጥብታት ብዘየገድስ፣ ዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ ናብ መዕቆቢ ደቂ-ኣንስትዮ ክትመጽ ይከኣል>

  • ጥዕና
  • መንበሪ ፍቓድ
  • ቁጠባዊ ትሕዝቶ

ኣብዚ መዕቆቢ ማእከልዚ ደቂ-ኣንስትዮ መዓልታዊ ህይወተን ብውልቀን የመሓድርኦ። ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ: ክሳብ ዝደለይኦ ግዜ ኣብቲ መዕቆቢ ማእከል ክጸንሓ ይኽእላ።

ሰራሕተኛታት ናይቲ መዕቆቢ ማእከል ምስጢር ናይ ምዕቃብ ምሉእ ሓላፍነት ኣለዎም። ሕጊ‘ውን ይግድዶም እዩ።

ሞያዊ ምኽሪ ምሃብን ኣብ መዕቈቢ ደቂ ኣንስትዮ ምንባርን ዝኽፈሎ ክፍሊት የብሉን

ለይትን መዓልትን ብቑጽሪ ተሌ 04321-46733 ብምድዋል ክትረኽባና ትኽእላ ኢኽን።

ኣብ ናይ ሕጹጽ እዋን ዘድልዩና ናውትን ሰነዳትን

ብቝጽሪ ተሌፎን 04321-46733 ናብቲ ኣብ ኖይሙንስተር ዝርከብ መዕቆቢ ደቂ-ኣንስትዮ ለይቲ ምስ መዓልቲ ምድዋል ይከኣል።ብኡ መሰረት ከኣ ናጻ ቦታ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክሕበረክን እዩ። ናጻ ቦታ ምስ ዝህሉ: ብሰራሕተኛታት ናይቲ መዕቆቢ ማእከል ኣድላይ ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃበክን እዩ።

ዝከኣል እንተኾይኑ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ናውቲ/ሰነዳት ተማሊእክን ምጻ:

  • ክዳውንቲ
  • ናውቲ ጽሬት
  • መለለይ-መንነት/መንነት ወረቀት ናይ ህጻን/ፓስፖርት
  • ምስክር ወረቐት ልደት
  • ሰነድ መርዓ
  • ጸብጻብ ባንክ
  • ናይ ሕሳብ ካርድ
  • ቁጽሪ መለለይ ግብሪ
  • ገንዘብ (እንተደኣ ኣልዩክን)
  • ካርድ ናይ መድሕን ጥዕና
  • ኣድለይቲ መድሃኒት
  • ናይ ክራይ ውዕል ስምምዕ
  • መፍትሕ መንበሪ ገዛ
  • መለለይ ቁጽሪ ናይ ረብሓታት ቆልዓ/ኪንደር-ገልድ
  • ናይ ቆልዑ መመርመሪት ብጫ መጽሓፍ
  • ናይ ኣደነት ፓስፖርት ወይ ሰነድ
  • ሰነድ ክታበት
  • ናውቲ ቤት-ትምህርቲ/ምስክር ወረቀት ቤት-ትምህርቲ
  • ናይ ምዕባይ ሓላፍነት መረጋገጺ ሰነድ/መረጋገጺ ኣቦነት
  • ዝፈትውዎ መጻወቲ

ዝጎደለ ሰነዳት ንድሕሪት ተመሊስክን ከተምጽኣ ወይ ከኣ ከተስዕብኦ ከጸግመክን ሰለዝኽእል: ብዝተኻእለ መጠን ዘድልየክን ዘበለ ተማሊእክን ምጻ።


ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ቀዳምነት ነብስኽንን ደቅኽንን ኣውሕሳ!!